Loading video...
Video Failed to Load
IN CASE IT WASN'T ALREADY OBVIOUS "Developing countries such as #Ethiopia aren’t truly free to establish independent foreign policies. It’s our Western partners who dictate whom we should consider allies, and Washington wasn’t too pleased with our renewed ties with #Eritrea. It seems we’re not allowed to engage positively... show more
46,520 views • 1 year ago •via X (Twitter)
1 Comments

ኢትዮጵያን ክድምናን! (ብ ጓል ፈዳይን ሻዕቢያ) - ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ላዕለዋይ በዓል መዚ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ እዩ። ንሱ ይብል:- "ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ድኻታት ሃገራት ናጻ ሕርያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ፖሊሲ የብለንን። ምስ ዝመሰአን ካልኦት ሃገራት ዝምድና ንኽፈጥራ ኣይክእላን እየን። ኣይፍቀደለንን እዩ። ንኣብነት፣ ንሕና ኣብ 2018 ዓ.ም ምስ ኤርትራ ዝፈጠርናዮ ዱልዱል ርክብ፣ ንኣሜሪካዉያን ደስ ኣይበሎምን፣ ብሰንኪ ምስ ኤርትራ ዘለዎም ሓርፋፍ ዝምድና፣ ንሕና ብድልየትና ንረብሓና ኢልና፣ ምስ ኤርትራ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ንክንፈጥር ኣየፍቀዱልናን" እሞሲ:- ከም'ቲ ብተዳጋጋሚ ዝበሃል እዩ። ኢትዮጵያ፣ ኣብ ታሪኻ፣ ወናኒት ናጻ ሕርያኣ ኮይና ኣይትፈልጥን እያ። ኣብ ግዜ ሃጸይ ሃይለስላሴ፣ መሓዮ ናይ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይና፣ ንሃጽያዊት ኣሜሪካ ጥልዕ ጉምብሕ እንዳበለት ክትእዘዝ ግዚኣ ዘሕለፈት ሃገር እያ። ኣብ'ቲ እዋን ኢትዮጵያ፣ ኣሜሪካ ንዝጸልኣቶ ክትጸልእ፣ ኣሜሪካ ንዝፈተወቶ ክትፈቱ ናይ ግድን እዩ ነይሩ። እቲ ዝርዝር ነዊሕ እዩ። ኢትዮጵያ ኣብ'ቲ ካብ 1950-1953 ዝተኻየደ ዉግእ ኮርያ፣ ሰራዊት ልኢኻ ኣብ ጎድኒ ኣሜሪካ ኮይና ተዋጊኣ። ኢትዮጵያ ንኤርትራ ንክትግብት ኣሜሪካ ፍቓድ ክትህባ፣ ከም ኣምሳያኡ፣ ሃጽያዊት ኢትዮጵያ ኣብ ማእከል ኣስመራ ብ "ቃኘው ስቴሽን" ዝፍለጥ፣ ብዝሖም ክሳብ 5000 ዝበጽሕ ወተሃደራት ኣሜሪካ ዓስኪሮምሉ ዝነበሩ ዓቢ ናይ ጠለፋን መጸናጸኒን መዓስከር ኣፍቂዳትላ። ኣሜሪካ፣ ንኢትዮጵያ ዓመታዊ ክሳብ 25 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ወተሃደራዊ ሓገዝ ትህባ ነይራ። እዚ መጠን ገንዘብ፣ በዚ ናይ ሎሚ መጠን ዝቕባበ ገንዘብ ክትመን ከሎ ዓመታዊ 330 ሚልዮን ዶላር ማለት እዩ። ኣዝዩ ገዚፍ ሓገዝ እዩ ነይሩ። እዚ ሓገዝ፣ ንሲቪላዊ ቁጠባዊ ሓገዛት፣ ንሞያዊ ስልጠናን ምኽርን ንናይ ዲፕሎማሲያዊ ሓገዛት ኣብ ግምት ዘየእተወ እዩ። ኣብ'ቲ እዋን፣ ሃጽያዊት ኢትዮጵያ፣ አብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ፣ እታ ዝለዓለ ናይ ኣሜሪካ ወተሃደራዊ ሓገዝ እትቅበል ዝነበረት ሃገር እያ። ኢትዮጵያ ንኣሜሪካ ንምሕጓስ ኣብ 1960 ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ናብ ኮንጎ ኪንሻሳ ልኢኻ። ሃጽያዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ንኣሜሪካ ዘሐጉስ እዩ ዝበለቶ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት ትዋሳእ ነይራ። ብሓጺሩ፣ ኢትዮጵያ ብሳንቡእ ናይ ኣሜሪካ ተስተንፍስ ዝነበረት ከዳሚት ናይ ኣሜሪካ ዝነበረት ሃገር እያ ነይራ። ካብ 1974-1991 ዝነበረት ደርጋዊት ኢትዮጵያ፣ ኣገልጋሊት ሕብረት ሶቪየት እያ ነይራ። ደርጋዊያን ብስም ሌኒንን ስታሊንን ይምሕሉን ይጥሕሉን ነይሮም። ደርጋዊት ኢትዮጵያ፣ ንሕብረት ሶቪየት ንምሕጓስ፣ ዘይትገብሮ ነገር ኣይነበረን። ኣብ'ቲ ናይ 1980 ናይ ሎስ-ኣንጀለስ (ኣሜሪካ) ዉድድራት ኦሊምፒክን ናይ 1988 ሴኡል (ደቡብ ኮርያ) ዉድድራት ኦሊምፒክን ዕጭለይ ኢላ ኣይተሳተፈትን። ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ሲዳማ ዝርከብ ናይ ዶዶላ ዕደና ወርቂ ሶቭየታዉያን ብዘይተሓታትነት ይግሕጥዎ ምንባሮም ዝፍለጥ እዩ። ሶቪየታዉያን፣ ኣብ ክሊ ማያት ባሕሪ ኤርትራ መራኽብ ኣዋፊሮም ዓሳን ካልእ ፍርያት ባሕርን ይግሕጥዎ ምንባሮም ዝዝከር እዩ። ኣብ 1984 ዓ.ም ክንድግዛዕ ዝኸዉን ሓወልቲ ማርሞ ናይ ሌኒን ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ተኺላ ምንባራ ዝዝከር እዩ። ደርጋዊት ኢትዮጵያ፣ እምንቲ መሓዮ ናይ ሶቪየት ሕብረት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይና ኣገልጊላ። ኣብ 1980 ዓ.ም ናይ ሕብረት ሶቪየት መራሒ ዝነበረ ሊዮኒድ ብረዥነቭ ነቲ ዝለዓለ ንወጻእተኛታት ጀጋኑ ዝብልዎም ዝወሃብ ሽልማት ንመንግስቱ ሃይለማርያም ሸሊምዎ እዩ። እቲ ዝርዝር ብዙሕ እዩ። ከም ኣምሳያ ናይ'ዚ፣ ኢትዮጵያ ብቢልዮናት ዶላር ዝግመት ወተሃደራዊን ቁጠባዊን ሓገዝ ካብ ሕብረት ሶቪየት ረኺባ እያ። እዚ፣ ነቲ ብገንዘብ ዘይትመን ዲፕሎምሲያዊ ሓገዝ ኣብ ግምት ከየእትና ኢና። ካብ 1991 ዓ.ም ጀሚራ ዝመጸት ወያኔያዊት ኢትዮጵያ፣ መሓዮ ጥራይ ዘይኮነት፣ እምነት ኣገልጋሊት (ባርያ) ናይ ኣሜሪካ እያ ኮይና። ኣሜሪካ ከይጸወዓታ-ኣቤት!፣ ኣሜሪካ ከይለኣኸታ-ናበይ! እትብል፣ ሃገራዊ ክብሪ ዝበሃል ነገር ዘይነበራ መልሕቕ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይና እያ ተቐልቂላ። ወያኔያዊት ኢትዮጵያ፣ ንረብሓ ኣሜሪካ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ንምርግጋጽ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብመመኽነይታ ናይ ዶብ፣ መጠነ ሰፊሕ ወራራት ኣካይዳ። ኣብ 2006 ዓ.ም ብኣሜሪካ ተላኢኻ ንሶማል ወሪራ ሞቓድሾ ሓሊፉ ኪስማዮ በጺሓ። ንኣሜሪካ ንምሕጓስ ብስም ተልእኾ ናይ ዓቃብ ሰላም፣ ናብ ሩዋንዳ፣ ላይቤርያ፣ ደቡብ ሱዳን ወተሃደራታ ሰዲዳ። ወረግ እታ ብብዝሒ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ዘዋፈርኩ ቀዳመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር እንዳበለት ትዋጢ ነይራ። ወያኔያዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከባቢ ደቡብ ኢትዮጵያ- ከተማ ኣርባ ምንጭ፣ ምስጢራዊ ናይ ኣሜሪካ ናይ ድሮን መዓርፎ ቦታ ንኽድኮን ኣፍቂዳ። ኣሜሪካ ካብ'ዚ መዓርፎ ድሮን እንዳተበገሰት እያ ኣብ ሶማሊያ ኣንጻር ኣልሸባብ ደብዳብ ድሮን ተካይድ ዝነበረት። ሕፍረት ኣልቦ ወያኔያዊት ኢትዮጵያ፣ ነታ ህብብቲ ኣሜሪካዊት ደራፊት፣ ቢዮንሴ፣ብደረጃ ፓትርያርክ፣ ጽላል ቤተክርስትያን ዘርጊሓ፣ ብሸብሸቦን ብመዝሙር ናይ ካህናትን ኣብ ኣዉደምህረት ቅድስት ስላሴ ቤተክርስትያን እያ ናይ ክብሪ ኣቀባብላ ገይራትላ። ወያኔ፣ ብሰንኪ ካብ ዉሕዳት ብሄር ምምጽኣ፣ ኣብ ዓባይ ኢትዮጵያ ዓብላልነታ ንኸተረጋግጽ፣ ናይ ግድን ከዳሚት ናይ ኣሜሪካ ክትከውን ነይርዋ። እቲ ዝርዝር ነዊሕ እዩ። ወያኔያዊ ኢትዮጵያ ነዚ ዶብ ዘይነበሮ ክድምናኣ ብቢልዮናት ዶላር ዝግመት ቁጠባዊን ወተሃደራዊን ሓገዝ ካብ ኣሜሪካ ረኺባ እያ። ናይ ኢቢይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ እዉን፣ መቐጸልታ ናይ ወያኔያዊት ኢትዮጵያ እያ። ኣቢይ ኣሕመድ ብመንፈስን ብግብርን መሓዮ ናይ ኣሜሪካ እዩ ኮይኑ። ኣቢይ ኣሕመድ እሙን ኣገልጋሊ ኣሜሪካ ምኻኑ ንሓደ ናይ ሮይተርስ ጋዜጠኛ " ኣነ ንኣሜሪካ ክሞተላ ቁሩብ እየ" ክብል ተዛሪቡ ምንባሩ ኣብ እዋኑ ተገሊጹ እዩ። እዚ ቃላት፣ ሕጊ ኣብ ዘለዋ ሃገር እንተዝኸዉን ነይሩ ኣቢይ ኣሕመድ ብክሲ ሃገራዊ ክድዓት ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ብሞት ዘቕጽዖ ገበን እዩ ነይሩ። ናይ ኣቢይ ኣሕመድ ዉድብ ብልጽግና፣ ጥብቆ ናይ'ቲ ኣብ ኣሜሪካ ናይ ብልጽግና ወንጌል (Prosperity Gospel) ዝበሃል፣ ኣብ ምዉናን ነገራዊ ሃብቲ ዝኣምን ምንቅስቓስ ናይ ወንጌላዉያን ኣመንቲ ኢና በሃልቲ ገበትቲ ካፒታሊስታዉያን እዩ። እቲ ዝርዝር ነዊሕ እዩ። ከም ኣምሳያ ናይ'ዚ ክድምናኡ፣ መንግሲቲ ብልጽግና ብቢልዮናት ዶላር ዝግመት ብመልክዕ ሓገዝን ልቓሕን ካብ ኣሜሪካ ረኺቡ ኣሎ። ናይ'ዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ልቓሕ ናይ IMF ን World Bankን ርእዩ ኣብነት ናይ ገዚፍ ጉኑዖ ኣሜሪካ ንመንግስቲ ብልጽግና እዩ። ኣብ ግዜ ወያኔን ብልጽግናን፣ ኢትዮጵያ 60% ዓመታዊ ናይ ባጀት ቅማረ ከተዉጽእ ከላ፣ ንሓገዝ ምዕራባዉያን ሃገራት ኣብ ግምት ብምእታው እያ። ብሓጺሩ፣ ኢትዮጵያ ብሳንቡእ ኣከድምታን ኣሸቀልታን እምበር፣ ብናታ ሳንቡእ ኣስተንፊሳ ዘይትፈልጥ፣ ናጻ ሕርያ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ዘይብላ፣ ነብሳ ክኢላ ደዉ ክትብል ዘይትኽእል፣ ሰኣን ብቑዕ መሪሕነት፣ ምስ'ቲ ኩሉ ዝተዓደለቶ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ፣ ክሳብ ሕጂ ብረድኤት ስርናይ ናይ ምዕራባውያን እትዕንገል ብኩሉ መለክዒታት ድንስቲ ሃገር እያ። እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ ከብቅዕ፣ ብዙሓት ኢትዮጵያዉያን ብፍልጥ ይኹን ብዘይፍላጥ፣ ኢትዮጵያ ብቸኛዋ በነጭ ያልተገዛች (colonize ያለተደረገች)፣ የጥቁር ህዝቦች የነጻነት ቀንዴል፣ የጸረ-ቅኝ ኣገዛዝ ተምሳሌት እንዳበሉ ክዋጥዩ ከለዉ ብዉሽጥና ፍሽኽ ኢልና ኢና ንሓልፎ።
